ነጸብራቅ

Neu
€14.99

ካንደስ ሕልማ ብምስማር፡ ንነብሳን ነቶም ትፈትዎም ስድራቤታን ሓበን ከተስንቆም ትቃረብ ነበረት። ዝተረፋ ግዜ ድማ ብኣእዳዋ ዝቑጸራ ኣዋርሕ ነበራ። እንተኾነ ግን ምስቲ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ቃል ኪዳን ንኽትኣስር ልባ ዝሃበቶ ሚልክያስ፡ ኣብ ግጭት ተጸምደት። ዝተፈጥረ ኩነታት ድማ፡ ንናብርኣን ኣብቲ ክትዕወተሉ ዝተሃንጠየትሉ ዕላማኣ፡ ዕንቅፋት ከየጓንፋ ፈረሐት። ካንደስ ነቲ ኩልንትናኣ ዝኾነ ሚልክያስ ንኸይትከስርን ሕልማ ንኸተግህድን ክትቃለስ ወሰነት። ንዕኣ ዝተዓብጣ ምስጢር ከምዘሎ ግን ዘንገዐቶ። እቲ ምስጢር ድማ ቀስ ብቀስ ናብ ዘይትፈልጦ መንገዲ ክመርሓ ጀመረ።